• ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (22 ሰነ 2026)
    Jun 22 2026
    ን ሎሚ ሰኑይ 22 ሰነ 2026 ዝተዳለወ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፥
    Show More Show Less
    49 mins
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (22 ሰነ 2026)
    Jun 22 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ዋጋ ነዳዲ ንምፍኳስ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ክቕጽል ተወሲኑ። ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ከባቢ ኤል ኦቤድ መጠነ ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢ ከስዕብ ዝኽእል ካልእ መጥቃዕቲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቐን ። ካብ ጸወታት ዋንጫ ዓለም 2026፥ ስጳኛ ንስዑዲ ዓረብ 4-0 ብምስዓር ፡ ካብቲ ዘሰምብድ ናይ ኬፕ ቨርደ ስዕረት ከየጋጠማ ተገላጊላ ።
    Show More Show Less
    12 mins
  • መዓልታዊ ጸብጻብ ዋንጫ ዓለም Word Cup 2026: ስጳኛ ናብ ንቡር ክትምለስ’ከላ ካቦ ቨርደ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ትሰርሕ:
    Jun 22 2026
    ስጳኛ ድሕሪ ወዲቓቶ ዝጸንሐት ናብ ንቡር ቦታኣ ብምምላስ ንመሪሕነት ጉጅለ H ወኒናቶ ፣ ካቦ ቨርደ ከኣ ኣንጻር ኡራጓይ ገጢማ ታሪኻዊ ናይ ፈለማ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ብምርካብ ብማዕረ ነጥቢ ተፈላልያ። በልጅዩምን ኢራንን ኣብ ጉጅለ G ክፈላለያ ኣይከኣላን ፡ ግብጺ ድማ ንኒውዚላንድ ስዒራታ ። ናብ ዕለታዊ ጸብጻብ ውድድር ዋንጫ ዓለም እንቋዕ ኣራኸበና ። እዚ ናይ መዓልቲ 11 ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ጽሟቕ ጸብጻብ እዩ ።
    Show More Show Less
    4 mins
  • MiniPod: Banger | Words we use - MiniPod: Banger | Words we use
    Jun 22 2026
    Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘Banger’. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like ‘Banger’.
    Show More Show Less
    4 mins
  • መረፃ ኢትዮጵያ፥ ሰልፊ ብልጽግና ካብ 486 መናብር ፓርላማ 438 ተዓዊቱ፡ ተባሂሉ። (ጸብጻብ)
    Jun 21 2026
    ኢትዮጵያ ንዘዕቖበቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝነደፈቶ "ምሕዋስ' ዝተሰምየ ሃገራዊ ንድፊ ወግዓዊ ገይራ። ልኡኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪቡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ከም "ናይ ጂኦፖለቲካዊ ውድድር" ከረአ የብሉን ኢሉ። ህወሓት፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ 'ዘይሚዛናውዊ' ብምባል ነጺጉዎ።
    Show More Show Less
    8 mins
  • ዋንጫ ዓለም 2026: ትንታነን ትዕዝብትን ግጥማትን ጉዕዞ ሃገራት ኣፍሪቃን ብነጋ ወልደጊዮርጊስ
    Jun 20 2026
    ኣብ’ዚ እዋን ቀዳማይ ዙርያ ምድባዊ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ተዛዚሞምስ ካልኣይ ዙርያ ግጥማት’ውን ተጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ኩሉ ሕልኽላኻቱን ፖለቲካዊ ጽልዋታቱን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፧ ጉዕዞ’ተን ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝረጋረጋ ዘለዋ ሃገራትን ጋንታታትን ከመይ ኣሎ፧ ንሎሚ ምስ ጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ገምጋም ምጥንቓቕ ቀዳማይ ዙሩያ ምድባዊ ግጥማት ክንገብር ደጊምና ተራኺብና ኣለና። ሰናይ ምክትታል!
    Show More Show Less
    22 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ሰነ 2026)
    Jun 18 2026
    ን ሎሚ ሓሙስ 18 ሰነ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ፥
    Show More Show Less
    44 mins
  • World Cup Update: ኢንግላንድ ኣብ ልዕሊ ክሮኦሺያ ጸብለል ኢላ፡ ፖርቹጋል ብ ዲ ኣር ኮንጎ ካብ ዓወት ተኾሊፋ።
    Jun 18 2026
    ኣብ ሻውዓይ መዓልቲ ጸወታ ፊፋ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ደሚቐን ዊዒለን፡በዚ ድማ DR ኮንጎን ጋናን እወታዊ ውጽኢት ኣንጻር ፖርቹጋልን ፓናማን ኣመዝጊበን። ሃሪ ኬን ፡ ኢንግላንድ ኣብ ልዕሊ ክሮኦሺያ ዓብሊላ ክትወጽእ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ።
    Show More Show Less
    3 mins